Fana: At a Speed of Life!

ብሽርክና ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን 560 ፕሮጀክታት ኢንቨስትመንት ይስርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ንደሓር ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብምሽራኽ 560 ፕሮጀክታት  ኢንቨስትመንት እናተሰርሑ ምዃኖም ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ መኮንን ሃይሉ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት ቁጠባዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ካብ ምርግጋፆም ብተወሳኺ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ስግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ንኽገብሩ ዝሕግዝ ኢዩ።

ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ናይ ምዃን ዕድል ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም።

ካብ ሞንጎ እቶም ፕሮጀክታት ሽርክና ኢንቨስትመንት እቶም 182 ፍርያትን ኣገልግሎትን ምሃብ ምጅማሮም ኣብሪሆም።

ካልኦት 114 ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት ኣብ ከይዲ ትግበራ ዝርከቡ ኮይኖም፥ ዝተፈረፉ 264 ድማ ኣብ ቅድመ ትግበራ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሰብሃፍቲ ቻይና ምስ ኢትዮጵያውያን ብሽርክና ብምስራሕ ቀዳማይ ስፍራ እንትሕዙ፥ ሰብ ሃፍቲ ኣሜሪካ፣ ህንድ፣ ጃፓን፣ ካናዳ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ጣሊያን፣ ጃፓን፣ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ፣ ስዑድ ዓረብ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሱዳንን ስፔንን ከምዝርከቡዎም እውን ተሓቢሩ።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ካብ ዝሳተፉሎም ዓውዲታት ኢንቨስትመንት፥ ኢንዱስትሪ ምፍራይ 350 ፕሮጀክትታት ልዑል ብፅሒት ሒዙ ኣሎ።

ሕርሻ፣ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲን ማሽነሪን፣ ዘፈር ህንፀት፣ ሆቴልን ቱሪዝምን፣ ትራንስፖርትን ግልጋሎትን ዑደትን፣ ጥዕና፣ ትምህርቲን ካልኦትን ብሽርክና ዝስርሑሎም ዓውዲታት ከምዝኾኑ ምዝራቦም ካብ ግዜኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.