Fana: At a Speed of Life!

ብቀ/ሚ ኣቢይ ዝምራሕ ናይ ወገን ጦር ትማሊ ዘመዝገቦ ዓወት ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከምዘፈራረሶ ተገሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ናይ ወገን ጦር ትማሊ ዘመዝገቦ ዓወት ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከምዘፈራረሶ ተገሊጡ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰስትር ከምዘፍለጦ÷ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ቅድሚ ሓደ ሰሙን 12 ዝኾኑ ወታደራዊ መራሕቱ ተደምሲሶምዎ ኢዮም።

ቁፅሮም ልዑል ዝኾነ ወታደራት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከምዝተትሓዙን ብዙሓት ፃውዒት ኢድኩም ሃቡ  ብምቕባል ኢዶም እናሃቡ ከምዝኾኑን ኢዩ ኣመልኪቱ ዘሎ።

ካብ ቀደሙ እውን እንተኾነ ኣብ ዝተመሰቓቐለ ኩነታት ዝነበረ እቲ ጉጅለ÷ ትማሊ ናይ ወገን ጦር ዓወት ከምዘፈራረሶ ገሊፁ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝነበሩ ቀንዲ ቀንዲ ቦታታት ማለት እውን ደሴ፣ ኮምቦልቻን ባቲን ሓዊሱ ካልኦት ከባቢታት ኣብ ኢድ ናይ ወገን ጦር ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ምግላፆም ይፍለጥ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሸዋ፣ ፍሉይ ዞባ ከሚሴን ክልል ዓፋርን ሙሉእ ብሙሉእ ከምኡ እውን ደቡብ ጎንደር ሓዊሱ መብዛሕተኡ ክልል ኣምሓራ ናፃ ምውፀኦም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረጋጊፆም ኢዮም፡፡

“ተገዲድናን ተደፋፊእናን ብዝኣተናዮ ኲናት ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዝኣተወ ፀላኢ ብዘኣተዎ ከይወፅእ ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ፤ ዝተረኸበ ዓወት እውን ልዑል ኢዩ” ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.