Fana: At a Speed of Life!

ብባክተሪያ ዝመፅእ ሕማም ሃናት ብእዋኑ ዘይምሕካም ንሕማም ልቢ የቃልዕ- ሰብሞያ ሕክምና

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገርና ካብ 5 ዓመት ክሳብ 15 ዓመት ዝርከቡ ኣባፅሕ ብበዝሒ ንሕማም ሃናት ከምዝቃልዑ ሓበሬታታት የርእዩ።

ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከባ ሃገራት፤ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ዕድመ ቁልዕነቶም ንሕማም ሃናት ይቃልዑ እዮም።

ነዚ ድማ ወለዲ ደቆም ናብ ሕክምና ዝወስዱ ከምዘለዉን  ከምኡ ውን ኣብ ውሽጢ ገዛ ክንክን ዝግበሩ እዉን ኣለዉ እዮም። ብባክተሪያ ዝመፅእ ሕማም ሃናት ብእዋኑ ብዘይምሕካም ንሕማም ልቢ ከምዘሳጥሕ ሰብሞያ ሕክምና ይዛረቡ።

ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ስፔሻላይዝድ ውሽጣዊ ሕማማት ዶክተር ኣዳና ጴጥሮስ፥ ምስ ሕማም ሃናት ተተሓሒዙ ዝመፅእ ሕማም ልቢ “ሪማቲክ ሀርት ዲዝዝ” እንብሎ እዩ ኢሎም።

ከም ኣገላልፃ ዶክተር ኣዳና፥ ዋላእኳ ሙሉእ ክፋል ልቢ ዘጥቅዕ ይኹን እንበር ናይ ልቢ ቫልቭ ዝብሃል፣ ንልቢ ዝኸፍትን ዝዓፅውን ቫልቭ ዘጥቅዕ እዩ።

ኣብ ሃገርና ብልዑል መጠን ቁፅሪ ዝርከብ ሕማም ልቢ ሪዮማቲክ፤ ብባክተሪያ ዝመፅእ ሕማም ሃናት ብእዋኑ ብዘይምሕካመም   ዝመፅእ ሕማም እዩ። ሰውነትና ነቲ ባክተሪያ ንምቅላስ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ መሊሱ ዝውውር ልቢ ዝቆፃፀሩ ቀዳዳታት ንክጉድኡ ዝገብር ከመዝኾነ እውን ይግለፅ።

ዶክተር ኣዳና፥ ነዞም ቀዳዳታት እቲ ሓደ ብትኽክል ንከይኽፈቱን ንከይዕፀዉን ብምግባር ካብ ልቢ ናብ ካልእ ኣንፈት ዝነዝሕ ደም ንክምለስ ብምግባር እዩ ኢሎም።

እቲ ካልኣይ ድማ ቀዳዳታት ልቢ ንኽጥንኩሩን ንከይክፈቱ ብምግባር ጉድኣት ዘብፅሕ እዩ። እቲ ዝመፅእ ባክተሪያ ብእዋኑ ብዘይምሕካምና ዝተልዓለ፤ ሰውነትና ነቲ ባክተሪያ ንምቅላስ ብዝገብሮ ምንቅስቓስ ኣብ ልቢ ጉድኣት ንክፍጠር ይገብር ይብሉ።

ሓደ ሰብ ንሕማም ልቢ እንተተቓሊዑ እንታይ ዓይነት ምልክት የርኢ?

ከም ኣገላልፃ ዶክተር ኣዳና፥ ንነዊሕ እዋን ምልክት ከየርኣየ ልቢ ክጎድእ ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ ከባቢ እዩ ምልክት  ዘርኢ። ልቢ “ፌል” ክሳብ ዝገብር ወይ ድማ ምስራሕ ክሳብ ዝደኽሞ ምልክት ኣየርኢን። ስለዝኾነ ብቀዳማይ ብርክን ብትኽክል ምሕካም ዝከኣል ሃናት ብምሕካምን፤ ድሕሪኡ ድማ  ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምርመራታት ልቢ ቀዲምካ ብምርካብ ምሕካም እዩ ዝካኣል። ጉድኣት ልቢ ድሕሪ ምብፃሑ፤ ከም ልቡ ዝንቀሳቀስ ዝነበረ ሰብ ዝኽእል ከም ቀደሙ ንኸይንቀሳቐስ ይገብሮ። ሕፅረት ምትንፋስ ብዙሕ መተርኣስ ምጥቃም የስዕብ፤ እግሪ ይሓብጥ እዚኦም እዮም እቶም ምልክታት።  እዞም ምልክታት ክፍጠሩ ከለዉ ኣብ ልቢ ልዑል ጉድኣት ስለዘብፅሑ  ብዝተኽኣለ መጠን እዚኦም ምልክታት ቅድሚ ምምፅኦም እዩ ክብፃሕ ዘለዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 5 ዓመት ክሳብ 15 ዓመት ዝርከቡ ኣባፅሕ ብበዝሒ ንሕማም ሃናት ከምዝቃልዑ ሓበሬታታት የርእዩ። ቆልዑ ሃናት እንትሓሙ ኣብ እዋኑ ምሕካም፤ ካብ ሕማም ልቢ ዘትርፍ እንትኾን ደረጅኡ ዕብይ እንትብል ቀልጢፍካ ናብ ሕክምና ብምውሳድ ንዝኸፍአ ጉድኣት ከይተቓልዑ ምሕካም ከምዝክኣል እቶም ብዓል ሞያ ይዛረቡ።

ዶክተር ኣዳና፥ “ሃናት እንትሕዘና ክንገብሮ እንኽእል ናብ ህክምና ብምኻድ ብባክተሪያ ዝመፅእ ሃናት ይጠፍእ እዩ። ናይ መጀመርያ ድጋፍ ሕክምና፤ ባክተሪያ ሃናት መድሓኒት ባክተሪያ ብምሃብ እዩ።” ክብሉ ገሊፆም።

ከምዚ እንተኾይኑ እቲ ሕማም ኣይፍጠርን ዝበሉ እቶም በዓል ሞያ፥ ብምኽንያት ሃናት ጉድኣት ልቢ እንተሃልዩ ቀዲምካ ብምርካብ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ቀዲምና ቀዳዳ ልቢ እንተረኺብናዮ በብወርሑ ብዝውጋእ መርፍእ ጉድኣት ልቢ ንከይመፅእ ይግበር እዩ። ካልኣይ መከላኸሊኡ ቀዳዳታት ልቢ ኣዝዮም ከይተጎድኡ እንትንረኽቦም በብወርሑ መርፍእ ብምውጋእ እዚ ሕማም ብተደጋጋሚ ጉድኣት ንከየብፅሕ እቶም ቀዳዳታት ልቢ ንከይጉድኡ ብምግባር ንከላኸል ኢና። እቲ ሳልሳይ ድማ ዝተጠቕዐ ሰብ ጉድኣት ቀዳዳ ልቢ ብመድሓኒት ብምሕካም፣ ብመድሓኒት ምሕካም ኣብ ዘይተኽኣለሉ እዋን ድማ ነቲ ቀዳዳ ብምቕያር ኢና ንሕክም።

ብፋኑስ መብራህቱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.