Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ክልል ደቡብ 98 ሚኢታዊ ድምፂ ዝተውሃበሎም ኣቑሑት መረፃናብ ክልላት መረፃ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ክልል ደቡብ 98 ሚኢታዊ ድምፂ ዝተውሃበሎም ኣቑሑት መረፃናብ ክልላት መረፃ ከምዝኣተዉ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል መረፃ ክልላት ደቡብን ሲዳማን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል ዝተረፉ ናውቲ ድማ ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ናብ ክልላት መረፃ ከምዝኣትዉ ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ፍሬው በቀለ ገሊፆም፡፡

ኣብ ክልል ሲዳማ ድምፂ ዝተውሃበሎም ናውቲ መረፃ ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ተጠቓሊሎም ናብ ክልላት መረፃ ከምዝኣትዉ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ከይዲ ምጉዕዓዝ ዝኾነ ይኹን ፀገም ከምዘየጋጠመ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ንመራፂ ህዝቢ፣ ሓይሊታት ፀፅታ፣ መራኸብቲ ሓፋሽነ ኣፈፀምቲ መረፃን ኣብ ከይዲ መረፃ ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም ኣካላትን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብብርሃኑ በጋሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.