Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ልዕሊ 382 ሽሕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ልዕሊ 382 ሽሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝበሎ፥ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ካብ ዝሕበር ጀሚሩ እቶም ናይ መጀመርታ 100 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ንክትሓዙ ዝወሰደሎም ግዘ 67 መዓልታት ጥራይ’ዩ።

እቶም ዝቕፅሉ 100 ሽሕ ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ 11 መዓልታት በቲ ቫይረስ እንትጥቅዑ፥ ኣብ ቀፀልቲ ኣርባዕተ መዓልታት ድማ ካልኦት 100 ሽሕ ሰባት ተለኺፎም።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወፅኡ መልእኽቲ ምሕላፍን ማሕበራዊ ርሕቐቶም ክሕልው ምግባርን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምንካይ ሓጋዚ ተራ’ኳ እንተሃለዎ መከላኸሊ መገዲታት ጥራይ ግን ክንስዕር ኣይሕግዙናን ኢሎም።

ክንስዕር እንተኾይንና ኣብቲ ቫይረስ ዘተኮረ ተሪር ስጉምቲ ብምውሳድ ክነጥቅዕ ኣለና ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ፥ ነዚ ድማ ኩሉ በቲ ሕማም ዝተጠርጠረ ምምርማር፣ ንበይኑ ክዕቀብን ክሕከምን ምግባር ከድሊ’ዩ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለምና ከምዝፀብፀብዎ በቲ ኣብ 168 ሃገራት ዓለም ከምዝኣተወ ዝተረጋገፀ ቫይረስ ኮሮና፥ ክሳብ ሐዚ 382 ሺሕን 108 ተለኺፎም ኣለዉ።

ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰወባት ድማ ቁፅሮም 16 ሺሕን 574 ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.