Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ካብ 222 ሺሕ ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት 222 ሺሕን 643 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

እቲ ቫይረስ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዘለዎ ምስፋሕ በዝለዓለ መጠን ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሳብ ሐዚ 9 ሺሕን 115 ሰባት ከምዝሞቱ እውን ተገሊፁ።

ካብ ቻይና ቀፂላ ብቫይረስ ኮሮና ኣዚያ ኣብ ዝተሃሰየት ሃገረ ጣሊያን ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 475 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፥ ብድምር በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 3 ሺሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ መጠን ሞት ድማ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ እቲ ዝዓበየ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ ሰባት ዝተረኸቡለን ቁፅሪ ሃገራት 33 ከምዝበፅሐ ይዝከር።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.