Fana: At a Speed of Life!

ብቫይረስኮሮና ንዝሓመሙ ሰባት ግልጋሎት ምትንፋስ ዝሕግዝ መሳርሒ ናብ መላእ ሃገር ይከፋፈል ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ ኣቕርቦት መድሓኒት ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ንዝሓመሙ ሰባት ግልጋሎት ምትንፋስ ዝሕግዝ ሲሊንደራት ኦክስጅን ናብ መላእ ሃገር ይከፋፈል ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ መሳርሒ 3 ሺሕን 322 በዝሒ ዘለዎ እንትኸውን፥ ናብ 31 ዝተመረፃ ሆስፒታላት፣ ትሽዓተ ቢሮታት ጥዕናን ክልተ ምምሕዳራት ከተማን ይከፋፈል ከምዘሎ ተገሊፁ።

ሓሙሽተ ዓይነት ሲሊንደራት ኦክስጅን እንትኸውን፥ እቲ ሓደ ንግልጋሎት ኣምቡላንስ ዝተረፉ ድማ ብምኽኒያይ ኮቪድ 19 ደቂሶም ንዝሕከሙ ከምዝውዕት ተሓቢሩ።

ሲሊንደራት ኦክስጅን ሓደ ሰብ እኹል ኦክሲጅን ናብ ሰብነቱ ንክኣቱ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.