Fana: At a Speed of Life!

“ብኣምባሳደርነት ንዝተሸየሙ ክልተ ጄነራል መኮንናት ኣብ ትካላዊ ለውጢ ልዑል ኣበርክቶ ነይርዎም” – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣምባሳደር ጀኔራል ባጫ ደበሌን ንኣምባሳደር ጀኔራል ሓሰን ኢብራሂም ስነ-ስርዓት ምፍናውን ምስጋናን ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ላዕለዋይ ምክልኻል ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ÷ ክልቲኦም ኣምባሳደር ጄነራላት ቅድሚ ለውጢን ድሕሪ ለውጢን ዝነበሮም ሃገራዊ ኣበርክቶ ዝለዓለ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ከም ትካልን ሃገርን ዝነበሩ ማሕለኻታት ብሓድነት ብምስራሕ ዕዉት ፃንሒት ከምዝነበሮም ተዛሪቦም፡፡

መንግስቲ ብመሰረት ዘለዎ ሓላፊነት ክልቲኦም ጄነራል መኮንናት ብኣምባሳደርነት ምሻሙ፤ ዕዉት ስራሕቲ ንምስራሕ ከምዝሕግዝ ዝገለፁ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ÷ ንቐፃሊ እውን ምስቶም ኣምባሳደር ጄነራላት ብምትሕብባር ከምዝሰርሑን እምነት ከምዘለዎምን ብምግላፅ ሰናይ ዘመን ስራሕ ንክኾነሎም ድማ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.