Fana: At a Speed of Life!

ብኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣሜሪካ ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣሜሪካ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ መቐለ ኣቲዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሕ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣቀባብላ ከምዝገበርሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ርእሰ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ኣባላት ፍሉይ ልኡኽ ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካብኔኦምን ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ምዝታዮም ተገሊፁ።

እቲ ዘተ፥ ምዉሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ምጅማር ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ረዲኤትን ካልኦት ዛዕባታትን ዝጠመተ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ተመዛበልቲ ብስእነት ሰብኣዊ ረዲኤት፣ መድሓኒትን መፅለልን ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝርከቡ ዝገለፁ ሓላፊ ቺፍ ካብኔ ሴክሬታሪያት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፥ እዚ ህፁፅ መፍትሒ ንክግበረሉን እቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ዘኽእል ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ተመዛበልቲ ዘይተቋረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዘለዎም ኣብቲ ዘተ ብሰፊሑ ከም ዝተዘተየሉ ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጉዳይ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቂ ዕጡቓት ህወሓት፣ ናብ ሕብረተሰብ ምሕዋስን ምጥያሽን እዉን ከም ዝተዘተየሉን ዛጊድ ኣብ ምዉራድ ዕጥቂ እወንታዊ ክያዶ ከምሎን ኣብቲ ዘተ ምግላፁ ሓቢሮም።

ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID)ን ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም(WFP)ን ናብ ትግራይ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሰብኣዊ ረዴኤት ምቁራፁ ስዒቡ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓገዝ ዝጠልብ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፀገም የስዕብ ብምህላዉ ቀልጢፉ ክፍታሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ከም ዝዘተዩ እዉን ኣይተ ኣማኑኤል ገሊፆም።

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ምትግባር ዘለዉ ፈተናታት ብዝምልከት እውን ምዝታዮም ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.