Fana: At a Speed of Life!

ብኣረጊት ብር ዝግበር ዕዳጋ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ደው ኢሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኣረጊት ብር ዝግበር ዕዳጋ ሎሚ መዓልቲ 22 ሕዳር 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ደው ኢሉ ኣሎ።

ምልዋጥ ኣረጊት ባጤራ ብር ኢትዮጵያ 6 ታሕሳስ 2013 ከምዝዛዘም ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ቅድመ ሐዚ ምግላፁ ይዝከር።

ይኹን እንበር እቲ ባንኪ 10 ሕዳር 2013 ዓ.ም ብመሰረት ዝሃቦ  መግለፂ፥ ብኣረጊት ብር ዝግበር ዕዳጋ ካብ 22 ሕዳር 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ደው ከምዝብል ኣፍሊጡ ኢዩ።

ስለዝኾነ ካብ 6 መስከረም 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣረጊት ባጤራ ብሓዱሽ ባጤራ እናተገበረ ዝነበረ ምልውዋጥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ጠጠው ኢሉ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.