Fana: At a Speed of Life!

ብኣደራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝሳለጥ ዘተ ግድብ ህዳሰ ውፅኢቱ ዘዕግብ ክኸውን ኢዩ – ሙሳ ፋኪ ማሃማት

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ብኣደራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ ምስላጡ ከምዘሐጎሶም ገሊፆም።
እቶም ኣቦ መንበር፥ ብኣደራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዕውት ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ የድሊዮ ብዝብል ሓሳብ፥ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብኣዳራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ ንኽረኣ እናተገበረ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሙሳ ፋኪ ማሃማት፥ ዘተ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ጉዳያት ማይን ኢትጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ትሕቲ ጥንኩር ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ኢትዮጵያ፣ ግብጽ እና ሱዳን ትማሊ ኣብ ዘካየደኦ ኣኼባ፥ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲታት ድርድር ብምግባር ኣብ ቀፀልቲ ኣካይዳታትን ግዘ ሰሌዳን ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ፣ ኣፈላላይ ኣብ ዘለዉዎም ጉዳያት ድማ ኣፈላላይ ብምፅብን ውፅኢቱ ድማ ኣብ ዝቕፅል ኣኼባ ንሚኒስትራት ማይን ጉዳያት ወፃኢን ንምቕራብ ተስማዕሚዐን።

ኣብቲ መድረኽ ድማ ቀዳማይ ቴክኒካዊ ኣኼባ ሰለስቲአን ሃገራት ብኣካቢነት ሚኒስትር ጉዳያት ማይ ሱዳን ክካየድ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተገሊፁ ኢዩ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝግበር ዘተ፥ እተን ሃገራት ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዘለወን ኣፈላላይ ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ዝገበረኦ ፃዕሪ ሓደ ኣካል ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.