Fana: At a Speed of Life!

ብኮቪድ-19 ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ብስፍሓት ምርመራ ንምክያድ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኮቪድ-19 ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ብስፍሓት ምርመራ ንምክያድ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ካብ ሰብ ሞያታት መራኸብቲ ሓፋሽ ንዝቐረቡለን ሕቶታት ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ኣቢለን መልሲ ሂበን።

ኣብቲ ዝሃበኦ መልሲ ድማ ብምኽንያት ባህሪ ስረሖም ንኮቪድ-19 ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝግበር ምርመራ ተጠናኺሩ ከምቐፀለ ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተረኸበሎም ከባቢታት ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሰፊሕ ምርመራ ከምዝካየድ ገሊፀን።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሆስፒታላት ዝወሃብ ከይዲ ምርመራ ብዝበለፀ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ጣቢያታት ጥዕና ንምሃብ እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ዶክተር ሊያ ኣፍሊጠን።

ኣቑሑት ሕክምናን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ንምምላእ ብብሄራዊ ግብረ ሓይሊ መተኣኻኸቢ እቶት ኣቢሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ሕብረተሰብ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ ፀዊዐን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.