Fana: At a Speed of Life!

ብኲናት ዝተጎድኡ ዜጋታት መሊስካ ብምጥያሽ ዘላቒ ሰላም ንኸዓስል ምርብራብ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኲናት ዝተጎድኡ ዜጋታት መሊስካ ብምጥያሽ ዘላቒ ሰላም ንኸዓስል ምርብራብ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣብ ዳግመ ህንፀት ብትኳር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ባህርዳር ይዝቲ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ  ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ጌታቸው ጀምበር (ዶ/ር)፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ካላት ይሳተፉ ኣለዉ።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ በቲ ኲናት ክልል ኣምሓራ ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖ ገሊፆም፡፡

ሕዚ ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ኲናት ጠጠው ክብል ምግባር ዝተኸኣለ ይኹን እምበር ናብ መረበቶም ዘይተመለሱ ብዙሓት ነበርቲ ከምዘለዉ ፀሪሖም።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ልምዓት ተወካሊ ኢትዮጵያ ክሊዮፓስ ቶሮሪ፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድሕሪ እቲ ኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ንምጥያሽ ዝዓለመ መርሃ ግብሪ እናተግበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ንኽዕወት ኣካላት መንግስቲ መራሕቲ ማሕበረሰብን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ንኽረባረቡ እውን ሓቲቶም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ኲናት ዘላቒ ሰላም ንኸዓስልን እቲ ከባቢ መሊሱ ንኽጣየሽን ንዝገብሮ ፃዕሪ ውሕመ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ብግደኦም፥ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣብ እዋን ኲናት ብክልቲኡ ወገን ዓጢቖም ዝተሳተፉ ዜጋታ ዕጥቆም ክፈትሑ ብምግባር ናብ ሰላዊ ናብራ ንኸኣትዉ ኣድላዪ ስራሕ መሊስካ ምጥያሽ ከምዘሳልጥ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስራሕቲ እግሪ ምትካል ልዑል ሃፍቲ ዝሓትት ስለዝኾነ፥ ሓገዝቲ ኣካላት ኣድላዪ ምትሕበባር ንኽገብሩ ሓቲቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.