Fana: At a Speed of Life!

ብወገን ማይፀብሪ ወረራ ንምፍፃም ዝፈተነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናተወቕዐ ናብ ዝመፅኦ ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብወገን ማይፀብሪ ናብ ክልል ኣምሓራ ንምእታውን ወረራ ንምፍፃምን ዝፈተነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናተወቕዐ ናብ ዝመፅኦ እናተመለሰ ምዃኑ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣይተ ያለኣለም ፈንታሁን ተዛሪቦም።

እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣንፈት እቲ ቃልሲ ዝቐየሩ ዓወታት ተረኺቦም።

ጉጅለ ፀላኢ ናብቲ ክልል ከየኣቱ፤ እንተኣቲዩ ድማ ከይወፅእ ገይርካ ምድምሰሳስ ዕላማ ዝገበረ ምስ ሰራዊት ብዝተገበረ ዝተዋደደ ቃልሲ ዝተረኸበ ውፅኢት ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ወረዳታት ጃናሞራ፣ በየዳ፣ ጠለምት፣ ዓዲኣርቃይን ዳባትን ብዙሓት ኣባላት ሚሊሻ 55 ዝኾኑ በሪታት ካብ ሰራዊት ቀዲሙ ንኽቆፃፀርን ክሕሉን ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋ ቦዛን ከባቢኣን ካብ ወረራ ናፃ ኮይና ኢያ ዝበሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ፥ ኣብ ግምባር ዝርከብ ሓይሊ ፀፅታ ንጸላኢ እናተኸታተለ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ዳህሰሳስ እናገበረ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ናይ ሕዚ ዓወት እንተይ ኣዘናገዐና ክሳብ መወዳእታ ክምቅላስን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ካብ ኢትዮጵያ ክነውግዶ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።

ብሙሉጌታ ደሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.