Fana: At a Speed of Life!

ብውዙዕ ሓበሬታ ህዝቢ ንምድንጋር ዝግበር ፈተነ ተቐባልነት ዘይብሉ ታራ ተግባር ኢዩ – ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብውዙዕ ሓበሬታታት ብምፍናው ህዝቢ ንምድንጋር ዝግበር ፈተነ ተቐባልነት ዘይብሉ ታራ ተግባር ከምዝኾነ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፁ።

እቲ ፓርቲ፥ ካብ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ልሒኹ ዝወፅአ ዘረባ ኣቦ መንበር ፓርቲ ብልፅግና ኣሲሎም ተማሂዙ ዝተለቐቐ ድምፂ ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ፡፡

ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ርክብን እቲ ፓርቲ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ፥ እናተጋውሐ ዝርከብ ሓበሬታ ሙሉእ ብሙሉእ ሓሶትን ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ካብ ዝተዛረቡዎም ዘረባታት ተቖራሪፁ ዝተቐነባበረ ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ዕላምኡ ድማ ህዝቢ ክደናገር ምግባርን ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ህዝቢን ዘይምትእምማን ንኽፍጠር ኢሉ እውን ወጥሪን ዘይምረግጋዕን ንኽፍጠር ምግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ተግባር ተቐባልነት ዘይብሉን ሓላፍነት ብዘይስመዖም ኣካላት ዝፍኖ ዝወረደ ተግባር ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ ተግባርን ብድሕሪትን ዘሎ ሕቡእ ዛዕባ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ኣካላት ኢድ ከምዝህሉዎ እውን እቶም ሓላፊ ሓቢሮም፡፡

መሰል ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ምፍናው ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓማውቲ እናተለመደ መፂኡ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ቢቂላ፥ ህዝቢ መሰረት ካብ ዘይብሎምን ፍልፍሎም ካብ ዘይተፈለጠን ሓበሬታታት ክከላኸልን ሓበሬታ ብጥንቃቐ ክምርምርን ፀዊዖም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.