Fana: At a Speed of Life!

ብዓል መዚ ነዳድን ኢነርጂን ሰብ ሰራሕ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዝፈጥሩ ኣካላት ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዓል መዚ ነዳድን ኢነርጂን ሰብ ሰራሕ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዝፈጥሩ ኣካላት ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።

እቲ ብዓል መዚ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ክልልን ኢኮኖሚያዊ ሽርሒ ንምፍጣር እንትብሃል ሰብ ሰራሕ ሕፅረት ነዳዲ ምፍጣሩ ምርግጋፁ ኣልዒሉ።

ንኣብነት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ከምኡ እውን ጫካታት ወሲኹ ነዳዲ ዝፀዓና ቦቲታት ከምዝተረኸባ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

እቲ ብዓል መዚ ሰብ ስራሕ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ ዝፈጥሩ ኣካላት ዘየዳግም ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣብሪሁ።

ብመሰረት እዚ ነዳዲ ኮነ ኢሎም ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዝሓብኡ ይኹኑ ኣገልግሎት እናሃቡ ዘለዉ ነዳዲ ኣቕረብቲ ኮኑ መዐደሊ ነዳዲ ክሳብ ሎሚ ሰዓት 10 ኣቕርቦት እንተዘየኣማሓይሾምን ናብ ትኽክለኛ መስመር እንተዘይኣትዮምን ካብ እገዳ ክሳብ ምውራስ ዝበፅሕ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ብዓል መዚ ነዳድን ኢነርጂን ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.