Fana: At a Speed of Life!

ብዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብኣመንቲ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብኣመንቲ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ብብርኪ ክልል ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ማይጨው ብድምቀት ተኸቢሩ።

ብዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብድምቀት ዝተኸበረ እንትኸውን፥ ትማሊ ታቦታት ካብ ኣድባራት ብምውፃእ ብካህናት፣ ዲያቆናትን ምእመናንን ተዓጂቡ ስርዓተ ጥምቀት ናብ ዝካየደሉ ጥምቀተ ባሕሪ ምፍናዉ ይዝከር።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ካብ ንጎሆ ጀሚሩ እቲ ብዓል ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ባህላን ስነስርዓታት ክኽበር ውዒሉ ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ጃን ሜዳ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት፥ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ምእመናንን በፃሕቲ ዓዲን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ብፁእ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ኣብቲ ስነስርዓት ኣከባብራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰሱ ወከልቲ ባህላዊ ቅርስታት ዓለም ምምዝጋቡ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

ስነ-ስርዓት ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ሃይማኖታን ባህላዊን ትሕዝትኡ ሓልዩ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንኸመሓላለፍ፥ ኩሉ ዘይጋ ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ እውን ናይ ሓደራ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ብፁእነቶም፥ “እግዚኣብሔር ነዓና ከምዝፈተወና ንሕና እውን ሕድሕድና ንኽንፋቶ ኣዚዙና ኢዩ፤ እዚ ትእዛዝ ድማ ቁርፀኝነት ሕሊና እምበር ካሊእ ክፍሊት ኣየሓትትን” ክብሉ ገሊፆም።

ፈጣሪ ካብ ሰብ ዝደልዮ፥ ብጣዕሚ ቀሊል ዝኾነ፣ ዋጋ ምኽፋል ዘየድልዮን ልዑል ረብሓ ዘለዎን “ፍቕሪ” ጥራሕ ኢዩ ብምባል እቶም ፓትሪያርክ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ብግደኦም፥ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኦርቶዶክሳዊ ዝነበረ በዓል ጥምቀት ካብ ሕዚ ንደሓር ሃፍቲ ዓለም ክኸውን ስለዝኸኣለ እንኳዕ ደስ በለኩም ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ሃፍቲ ዓለም ዝኾነ በዓል ጥምቀት፥ “ኩልና ኢትዮጵያውያን ክነኸብሮ ኢና፣ ክነማዕብሎ ኢና፣ ንህዝቢ ዓለም እውን ክነፋልጦ ኢና፤ ነዚ ድማ ሙሉእ ሓለፋነት ክንወስድ ኢና” ኢሎም።

በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ፣ ከተማ ማይጨው ብብርኪ ክልል ኣብ ዝተኸበረሉ በዓል እውን፥ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፣ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፅኡ ኣጋይሽን ነበርቲ እቲ ከባቢን ተረኺቦም ኢዮም።

ብዓል ጥምቀት ኣብቲ ከባቢ ምኽባሩ፥ ታሪኻዊት ከተማ ማይጨው፣ እምባ ኣላጀ፣ ካብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ እምባ ፅበት፣ ብሕታዊ ተፈጥሮኣዊ ቃላይ ትግራይ ዝኾነ ቃላይ ሓሸንገ፣ ደኒ ሕጉምብርዳ፣ ኮረፌ ኦፍላ/ኮረም፣ ገዳማት ማህበር በኩሩን ኣባ ጉባን፣ መስጊድ ሕጅቢ ወራባየ ወይ ጎልጎል ራያ ንምርኣይን እቲ ኣዝዩ ምቁር ባህሊ ራያ ንምስትምቓርን ልዑል ዕድል ዝፈጥር ኢዩ።

በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ጎንደር እውን ኣብ መሓመሲ ቃላይ ፋሲለደስ ብዝደመቐ ኩነታት ተኸቢሩ ውዒሉ ኢዩ።

ኣብቲ ስነስርዓት ኣከባብራ ድማ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ምእመናንን በፃሕቲ ዓዲን ተረኺቦም ኢዮም።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት መብዛሕተኦም ታቦታት ካብ ዝሓደሩሉ ጥምቀተ ባሕሪ ነናብ ኣድባራቶም ብልዑል ድምቀት ተሰንዮም ብሰላም ኣትዮም ኣለዉ።

ፅባሕ ድማ በዓል ቃና ዘገሊላ ብድምቀት ክኽበር ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.