Fana: At a Speed of Life!

ብዕርቂ ናብ ዝሐሸ ነገር ምስጓ ጊዚኡ ዝሓቶ ተግባር ኢዩ – ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ረብሓ ዕርቂ ብምቕባል ናብ ዝሓሸ ተግባር ምስጓ ግዚኡ ዝሓቶ ተግባር ከምዝኾነ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ገሊፆም፡፡

ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን፥ ህዝቢ ናብ ዕርቂን ይቕሬታን ምምፃእ ቀዳማይ ተግባር ኣቦታት ሃይማኖት ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ሰላም ሃይማኖት ንምሕላውን ድሕንነት ህዝቢ ንምርግጋፅን ዓቢዪ ዋጋ ከምዘለዎ እውን ብፁኑቶም ኣብሪሆም።

ሰብ ኩሉ ሰላሙ እንተዝሕሉ ብኹ ነገር ዕዉት ምዃን ከምዝከኣል ዝገለፁ እቶም ፓትሪያርክ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠሩ ጎንፂታት ህዝቢ ከምዝተንገላተዐ ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረአ ነገር ንባዕልኻ ኣብሊፅካን ንኻሊእ ኣንኢስካን ምርኣይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ተግባር ብምእራም ብምትሕስሳብ፣ ብትሕትናን ብፍቕሪን ምምላስ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ንባዕሉ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣወዳድባ ናፃ ብምግባር ንኹሎ፣ ኢትዮጵያዊ ሰላም ክሰርሕን ክፅዕርን ከምዝግበኦ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ፀዊዖም፡፡

ሰላምን ሓድነትን ንምርግጋፅ ጉልበት ከም ኣማራፂ ምውሳድ ጠጠው ብምባል ዝተፈጠሩ ፀገማት ብልዝብል ብድርድርን ንምፍታሕ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ፃዕሪ ንኽገብሩ እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.