Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ 110 ሺሕ ዶላር ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታንድሕንነት ብዝተገበረ ክትትል ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ 110 ሺሕ ዶላር ምስ ተጠርጠርቱ ተታሒዙ።

ከም ገለፃ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፥ እቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተጓዓዓዘ ዝነበረ ዶላር ሓሙስ ለይቲ ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ብልሙድ ላምበረት ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቀፅሪ መናሃርያ ኢዩ፡፡

ካብ ህዝቢ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ከምኡ እውን ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታንድሕንነት ብዝተገበሩዎ ክትትል ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሃረር ንምጉዓዝ ምድላው እናገበሩ ዝነበሩ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ዝሓዙዎ ሳንጣ ብዝተገበረ ፍተሸ 110 ሺሕ ዶላር ክርከብ ተኻኢሉ ተባሂሉ፡፡

ተጠርጠርቲ ኣብትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ እውን ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.