Fana: At a Speed of Life!

ብዘይጋዊ መገዲ ናይ ምስጋር ገበናት ንምምርማርን ንምቕፃዕን ዘኽእል ሰነድ ስርዓት ኣሰራርሓ ተዳሊዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይጋዊ መገዲ ናይ ምስጋር ገበናት ንምምርማርን ንምቕፃዕን ዘኽእል ሰነድ ስርዓት ኣሰራርሓ ተዳሊዩ ኣብ ሞንጎ ሲቪ ፖል ምብራቕ ኣፍሪካ፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ከምኡ እውን ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ርክክብ ምግባሩ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ።

ምክትል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ፍቓዱ ፀጋ፥ ብሰባት ምንጋድ፣ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ናይ ምስጋርን ገበን ሃገራት ዓለም እናተፈታተነ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እዞም ገበናት ንምምርማርን ንምቕፃዕን ዘኽእል ውፁእ ኣሰራርሓ ምዝርግሑ ብፍላይ ድማ ንመርመርቲ ፖላዊስን ንዓቀብቲ ሕጊን እቲ ገበን ንምርማር ኢሉ እውን ኣብ ከይዲ ክሲ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስርዓት ኣሰራርሓ፥ ውፁእ ዝኾነን ዝተቐላጠፈን ንምግባር እውን ርኡይ ተራ ከምዝህልዎ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.