Fana: At a Speed of Life!

ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ክንፈልጦም ዝግብኡና ነጥብታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሃገረ ቻይና ጀሚሩ ናብ ካልኦት ክፋላት ዓለም እናተስፋፍሐ ይርከብ።

ብምኽንያት እዙይ ውድብ ጥዕና ዓለም ቫይረስ ኮሮና ዓለም ለኸ ስግኣት ጥዕና ኢዩ ኢሉ ኣዊጁ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እውን ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ምድላዋት ወጊኑ ዝርከብ ኮይኑ ቀንዲ መመሓለለፍትን መከላኸሊ ሜላን እቲ ቫይረስ ምፍላጥ ድማ ኣገዳሲ እዩ።

ብመሰረት እዚ፦

– ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብዓይኒ ዘይርኣዩ ረቂቕ ታህዋስያን ዝመፅእ ዓሌት ቫይረስ እዩ።

– ቫይረስ ኮሮና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ኮይኑ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ እውን ይመሓላለፍ እዩ።

– እዚ ማለት በዚ ቫይረስ ዝተጠቐዐ ሰብ እንትህንጥስ ብዘውፅኦም ነጠብጣብ ወይ እውን ብዝተፈላለዩ መንገዲ ዝወፅእ ፈሳሲ ንኽክእ  እንትህሉ እቲ ቫይረስ  ብዘለው ናይ ሰውነትና ቐዳዳ ኣፍንጫ ኣፍን ዓይንን ካልኦትን ኣቢሉ ዝመሓላለፍ ይኸውን።

– እቲ ሕማም ኣብ ዝተርኣየሉ ከባቢ ዘለው እንስሳ ናብ ሰብ ብምንኽኻእ ውፅኢት ስጋን ፀባን ከይበሰለ ብምምጋብ ኣቢሉ ይመሓላለፍ።

ምልክታቱ ድማ፦

  1. ካብ ቅልል ዝበለ ሰዓል ክሳብ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ፀገም
  2.  ረስኒን
  3.  ሕፅረት ምስትንፋስን

ቀንዲ መከላኸሊ ሜላታት፦

በዚ ሕማም ተቓላዕቲ ካብ ዝኾኑ ሃገራት ዝመፁ ኣጋይሽ ይኹን ቤተሰብ እንትህልው፤ ብተወሳኺ ምስ እዞም ኣጋይሽ ወይ ቤተ ሰብ ርክብ ዘለዎም ሰባት ዝህልወና ቐጥታ ንኽክእ ድሕሪ ምኽኽር በዓል ሞያ ጥዕና ክኸውን ይግባእ።

ሰዓል፣ ረስንን ፀገም ምትንፋስን ምልክታት እንተርእዩ ብቑልጡፍ ናብ ቀረባ ዝርከብ ትካል ጥዕና ብምኻድ ኣድላይ ምርመራን ሕክምናን ምግባር የድሊ።

ኣብ እንስዕለሉን ኣብ እንህንጥሰሉን እዋን ኣፍን ኣፍንጫን ብመንዲል ምሽፋን

ኣብ ወሰንቲ እዋናት ኢድና ብማይን ብሳሙናን ምሕፃብ፡- ማለት እውን ዓይንና፣ እዝንና፣ ኣፍንጫና ከምኡ እውን ካልኦት ኣካላትና ቅድሚ ምንካእና ኢድና ምሕፃብ፣ ቕድሚ ምግቢ ምድላውን ምምጋብን፣ ቕድሚ ህፃናት ምንካእና ምሕፃብ፣ ድሕሪ ሕሙማት ምንካእና ኢድና ምሕፃብ፣ ከምኡ እውን ክንክን ምስ ዘይግበረሎም ናይ ገዛ ይኹን በረኻ እንስሳ ዘይምንኽኻእ ይግባእ።

እዚኦም ብምግባር ካብ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ክንከላኸል ንኽእል ኢና።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.