Fana: At a Speed of Life!

ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 1 ሚልየን ይፅጋዕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ እቲ ልዕሊ 939 ሽሕ በፂሑ ዘሎ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሒደት መዓልታት ናብ 1 ሚልየን ክኣቱ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ናህሪ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣጨኒቑዎ ከምዘሎ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕል 47 ሽሕ  በፂሑ ዘሎ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት ኣብ ሓፂር መዓልቲ ናብ 50 ሽሕ ክብ ክብል እዩ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ውፅኢት፥ ኣሜሪካ፣ ጣሊያን፣ ስፔይን፣ ቻይናን ጀርመንን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ብምስራዕ ብብርኪ ዓለም ዝበዝሑ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝተረኸቡለን ሃገራት ኮይነን ከምዘለዋ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣሜሪካ 216 ሺሕን 722፣ ጣሊያን 110 ሺሕን 574፣  ስፔይን 104 ሺሕን 118 ከምኡ እውን ኣብ ቻይና 82 ሺሕን 394፣ ጀርመን 77 ሺሕን 981 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝተረኸብለን ሃገራት ኢየን።

ኣብ ሕድ ሕድ ሃገራት ዘሎ ቁፅሪ መወትቲ እውን እንትረአ፥ ብቐዳምነት ኣብ ጣሊያን 13 ሺሕን 155፣ ስፔይን 9 ሺሕን 387፣ ፈረንሳይ 4 ሺሕን 32፣ ቻይና 3 ሺሕን 199፣ ኢራን 3 ሺሕን 36 ሰባት ብምኽኒያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኢዮም ክብል ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.