Fana: At a Speed of Life!

ብዝተፈላለየ ኩነታት ጥቕዓት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ግልጋሎት ዝህብ ማእኸል ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዝተጣየሸ ግልጋሎት ሓደ ማእኸል ጥቕዓት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ስርሑ ጀሚሩ።

ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዶር የትምወርቅ ገብረመስቀል ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ እቲ ማእኸል በቢግዜኡ የጋጥሙ ንዘለዉ ብርክት ዝበሉ ጥቕዓታት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ግልጋሎት ምኽሪን መሐብሐቢን ክህብ ኢዩ።

ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኩሉ ሕብረተሰብ ንከወግዞ ድማ መልእኽተን ኣሕሊፈን።

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ብግደኦም፥ ኣብ ምክልኻል ጥቅዓት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዩ ብዙሕ ኣይተሰርሐን ኢሎም።

እቶም ሓላፊ፥ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2012 ዓ.ም ሽዱሽተ ማእከላት ፍትሕን ሕክምናን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ከምዝኽፈታ ገሊፆም።

ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ጥቅዓት ደቂ ኣንስትዮ ግድኡ ንኸበርክት እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብሃፍቶም ሃይለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.