Fana: At a Speed of Life!

ብደረጃ ዓለም ብልዑል ምልባዕ ኦሚክሮን ሲዒቡ ሃገራት ገደብ ምንቅስቓሳት በዓል ሓዱሽ ዓመት ይገብራ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በዓል ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ኣብ ዝኽበረሉ እዋን ብብርኪ ዓለም ብኮቪድ-19 ዝልከፉ ሰባት ቑፅሮም ብልዑል እናወሰኸ ይርከብ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልትታት ልዕሊ 7 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሰባት ብቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ፡፡

ነዚ ሲዒቡ ድማ ሃገራት በዓል ሓዱሽ ዓመት ንምቕባል ዝሓንፀፀኦ መደባት  ኣብ ምስራዝን ምቕናስን ይርከባ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ቫይረስ ኦሚክሮን ብብርኪ ዓለም ክቕንስ እዩ እናተብሃለ ዝነበረ ይኹን እምበር÷ ኣብ ዉሽጢ ቀረባ እዋን ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ብሪታንያ፣ ፈረንሳይን ካልኦት ሃገራት ኣዉሮፓን ብቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ቁፅሮም እናዛየደ እዩ፡፡

እዚ ድማ መንግስትታት ክልከላታት ቫይረስ ኮሮና ንኽገብሩ የገድዶም ኣሎ ክብል ቲ ኣር ቲ ወርልድ ፀብፂቡ፡፡

ካብ ግሪክ ክሳብ ሜክሲኮ፣ ካብ ባርሴሎና ክሳብ ባሊ ኣኼባታት ንኸይካየዱ ዝተኣገደ እንትኸውን፤ እገዳታት ናይ ምሸት ክለባትን ሰዓት እቶ እቶን ምግባረን ተሓቢሩ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.