Fana: At a Speed of Life!

ብጁንታ ህወሓት ዝተወረረ ናውቲ መሊስካ ንምትካእን ህዝቢ ግቡእ ኣገልግሎት ንክረክብን ክንሰርሕ ኢና-ዶ/ር ሙሉ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብጁንታ ህወሓት ዝተወረረ ናውቲ መሊስካ ንምትካእን ህዝቢ ግቡእ ኣገልግሎት ንክረክብን ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶ/ር ሙሉ ነጋ ገሊፆም።

ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ህዝቢ ዝኣመነሉ ምምሕዳር ከምዝተጣየሸ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ግዝያዊ ከንቲባ ሓዊሱ ኣባላት ቤት ምኽሪ ከምኡ ውን ኣብቲ ከተማ ኣብ ዘለዋ ሓሙሽተ ቀበሌታት ኣባላት መማኸርቲ ጉባኤ ህዝቢ ከምዝተመረፁ ኣፍሊጦም።

ኣብያተ ምኽሪ ወረዳን ቀበሌን ድማ ናብ ናይ ቀደም ስርሖም ንክምለሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እተን ኣብያተ ምኽሪ ብብርኪ ቀበሌን ከተማን ህዝቢ ዝመርሑ ኣመራርሓታት ከምዝሓሪዩ ሓቢሮም።

“ብህዝቢ ዝተመረፀ ግዝያዊ ምምሕዳር ጁንታ ህወሓት ዘብረሶም ኣወዳድባታት መንግስቲ ክዝርግሕ ኢዩ” እውን ኢሎም።

በጀት እቲ ከተማ ብምጥቃም ዝተወረረ ንብረት መንግስቲን ህዝብን ከመዝማላእ ዶ/ር ሙሉ ተዛሪቦም።

እቶም ነበርቲ ኣብ ጎድኒ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምዃን ንምርግጋዕ ሰላም እቲ ከተማን ከባቢን ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምትሕብባር ሰላም ንምሕላውን ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎት መንግስቲ ስረሖም ንክጅምሩን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደኦም ንክዋፅኡ ድሉዋት ከምዝኾኑ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።

ኣብ ከልኦት ከባቢታት እውን ብህዝቢ ዝተመረፀ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝውደብ እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.