Fana: At a Speed of Life!

ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተቐተሉ ኣባላት ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝዝክር ሽምዓ ምብራህ ስነስርዓት ሎሚ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሓምለ፣ 2013 ( ኤፍ ቢ ሲ)ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተቐተሉ ልዕሊ 100 ኣባላት ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝዝክር ሽምዓ ምብራህ ስነስርዓት ሎሚ ንጉሆ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ መስቀል ተኻይዱ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ትግራይ ድሕሪ ምውፅኡ ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ሰሪሕኹም ኢኹም፣ ተሓባቢርኩም ኢኹም ኣብ ሃገረ ሰላም ዝተቐተለት ጥንስቲ ኣመራርሓ ሓዊሱ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ኣደባባይ በግፍዒ ከምዝቐተሎም ተገሊፁ።

ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየረ መርሃ ግብሪ ዶክተር አብረሃም በላይ ሓዊሱ፣ ናይቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሚሊዮን ኣብርሃ፣ ኣቦመንበር ትዴፖ  ዶክተር አረጋዊ በርኸ፣ ኣመራርሓ እቲ ጊዚያዊ ኣመራርሓ፣ ኣመራርሓ ዝተፈላለዩ ፓርቲታትን ተወለድቲ ትግራይን ከመዝተረኸቡ  ኢፕድ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.