Fana: At a Speed of Life!

ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓ ካብ ዝዓነዉ 87 ኢንዱስትሪታት እቶም 27 ስራሕ ከምዝጀመሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓ ካብ ሞንጎ ዝዓነዉ 87 ኢንዱስትሪታት እቶም 27 ስራሕ ከምዝጀመሩ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪን ቢሮ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትሪን ክልል ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ዝርከቡ ኢንዱስትሪታት ዘብፀሖ ጉድኣት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብ እዋን ቲ ዑደት ከምዝበሉዎ፥ እቲ ዑደት ብቐንዱ ብፀብፃብ ዝግለፁ ሓበሬታታት ብኣካል ብምዕዛብ መፍትሒ ንመሃብ ዝዓለመ ኢዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኢንዱስትሪታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀፃሊ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝተዳለዉ ትካላት እውን ከምዘዕነወ ኣብቲ ዑደት ከምዝተዓዘቡ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢንዱስትሪታት ካብ ዝፈፀሞ ዘረፋ ብተወሳኺ ልዑል ዕንወት ምብጽሑ ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብሓፈሻ 82 ኣብ ምፍራይ ዝነበሩን 5 ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡን ኢንዱስትሪታት ዕንወትን ዘረፋን ከምዝፈፀመ ብምግላፅ፤ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 27 ኢንዱስትሪታት ምፍራይ ከምዝጀመሩ ኣብሪሆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.