Fana: At a Speed of Life!

ብፍሉይ ቀመም ዝደረቐ ሬሳ ጥንታውያን መራሕቲ ግብፂ ኣብ ጎደናታት ካይሮ ንምርኢት ክቐርብ’ዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፃውያን ኣስከሬናት ጥንታውያን መራሕቶም ንምርኣይ ንጎደናታት ከተማ ካይሮ ከዕለቕልቑ ትፅቢት ከምዝግበር ተገሊፁ።

እቶም 22 ብመድረቒ ንነዊሕ ዘበናት ኣስከሬኖም ከይፈረሰ ክፀንሕ ዝተገበሩ መራሕቲ፡ 18 ንጉሳትን 4 ንግስቲታትን እየን። ናብ ጎደናታት ካይሮ ዝወጽኡሉ ምኽንያት ከኣ ካብ ዝነበሩሉ ጥንታዊ ቤተ መዘክር ናብ ሓድሽ መዕረፊኦም ንምጉዓዓዝ እዩ።

እቶም ብንጉሳዊ ዘርኦም ዝኽበሩን ከም ሃገራዊ ሃብቲ ዝቑጸሩን ዝደረቑ ኣስከሬናት ጥንታውያን መራሕቲ ግብጺ ናብ ሓድሽ ዝተሃነጸ ቤተመዘክር እዮም ዝሰጋገሩ ዘለዉ።

እቶም ፈርኦናት ብጥቡቕ ሓለዋ ተዓጂቦም ናብ ጉደናታት ከተማ ካይሮ ኣብ ዝወጽኡሉ ሰዓታት ድማ ብቕደም ሰዓብ ዘመነ ስልጣኖም ከምዝሰርዑ ተፈሊጡ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.