Fana: At a Speed of Life!

ብፕሬዚዳን ቤት ምኽሪ ፀፅታ ዝወፅአ መግለፂ ቅዋም ኢትዮጵያ ዝድግፍ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ  ፀፅታ ዝወፅአ መግለፂ ቅዋም ኢትዮጵያ ዝድግፍ ምዃኑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ብሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላትን፥ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝተሰናደአ ፀብፃብ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ዕላዊ ከምዝግበር እውን ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ዲና ሳምንታዊ መግለፂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብዚ ሰሙን ዝተሳለጡ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡

ቱኒዝያ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ትውሰዶ እምበር፥ ቤት ምኽሪ ፀፅታ እቲ ጉዳይ ጉዳይ ልምዓት ጥራሕ ስለዝኾነ ከምዘስመረሉ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ኣብዚ ሰሙን እዚ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ክርስቶፌ ሉቱንዱላ ምስ መዘነኦም ኣይተ ደመቀ መኮንን ተዛቲዮም ኡዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝቕፅለሉ ኩነታት ትኹረት ገይሮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኮንጎ፤ ኢትዮጵያ ንፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ይኹን ንድርድር ዘለዋ ፅንዓት ብምንኣድ፥ ፀገም ኣፍሪካውያን ብኣፍሪካ ዝብል መርህ ሃገሮም እውን ኣጥቢቓ ከምትድግፎ ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝርገሐ መስመር መመሓላለፊ ሓይሊ እናተኻየደ ምዃኑ ኣምባሳደር ዲና ኣብሪሆም፡፡

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ፥ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ምትእስሳር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ጅቡቲ መዘነኦም ዝተዛተዩሉ ሰሙን ከምዝነበረ እውን ገሊፆም።

ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብሓባር ዘካየዱዎ መፅናዕቲ ሰብኣዊ መሰል ከምዝተዛዘመ ዝገለፁ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ 22 ጥቅምቲ 2014 ዕላዊ ከምዝግበር ኣፍሊጦም።

ይኹን እምበር እቲ ፀብፃብ ቅድሚ ምውፅኡ ብግብረ ራዕዲ ህወሓትን ካልኦት ኣካላትን እናተናፈሱ ዝርከቡ ወረታት ተቐባልነት ዘይብሎም ከምዝኾኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ስራሕቲ ለውጢ እናገበረ ከምዝኾነን ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዲፕሎማሰኛታት፣ ቆንስላታትን ሰራሕተኛታት ተፀዋዕቲ ትካላትን እናተውሃበ ዝርከብ ናይ 10 መዓልቲ ስልጠና ኣካል እቲ ለውጢ ከምዝኾነን ኣምባሳደር ዲና ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.