Fana: At a Speed of Life!

ቦሪስ ጆንሰን ናብ ሆስፒታል ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ተለኺፎም ንበይኖም ተፈሊዮም ክትትል እናገበሩ ዝፀንሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታኒያ ቦሪስ ጆንሰን ትማሊ ለይቲ ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚነስትር፥ ረስኒ ሓዊሱ ካልኦት ምልክታት ናይቲ ሕማም ስለዝበርተዑዎም ኢዮም ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ክኣትዉ ዝተገደዱ።

ቦሪስ ጆንሰን ናይ ውልቀ ዶክተሮም ዘቕረቡሎም ምኽረ ሓሳብ ስዒቡ፥ ንልዑል ክትትል ሕክምና ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ካብ ቤት ፅሕፈት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝወፅኡ ሓበሬታታት የረድኡ።

ናብ ሆስፒታል ምስኣተዉ ድማ ብሰብ ሞያታት ሕክምና ምርመራን ክትትልን ኣናተገበረሎም ምዃኑ ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር፥ ቅድሚ 10 መዓልቲ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ምርግጋፁን ንባዕሎም ፈሊዮም ክትትል ሕክምና እናገበሩ ከምዝፀንሑን ይዝከር።

ፍልፍል፦ ዘ ጋርዲያንን ቢቢሲን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.