Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ጉድኣት ኣካል ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ጉድኣት ኣካል ይዛተ ኣሎ።

እቲ ቦርድ፥ ጉዱኣት ኣካል ኣብ ከይዲ መረፃ ዘለዎም ተሳትፎን ኣብ ጉዳይ ሓዱሽ ሕጊ መረፃን ኣድሂቡ ኢዩ እናተዛተየ ዝርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን እቲ ቦርድ፣ ካብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል ዝተውፃእፅኡ ሰራሕተኛታት፣ ካብ ፌዴሬሽን ብሄራዊ ማሕበራት ጉዱኣት ኣካልን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ጉዱኣት ኣካልን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣብ ቅድመ ምድላው እዋን መረፃ ዝተፈላለዩ መፅናዕቲታትን ስልጠናታትን እንትካየዱ ጉዱኣት ኣካል ተሳተፍቲ ምግባር ዘለዎ ረብሓ ብዝምልከት እውን ልዝብ ይገብር ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣድላዪነት ንኹሉ ዝሓቁፍ ማዕቐፍ ፖሊሲን ሕጊን መረፃ፣ ምዕሩይ ከባቢ መረፃ፣ ኣብ መረፃ ብተዓዛቢነት ምስታፍ ከምኡ እውን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ከይዲ መረፃ ዘለወን ልምዲ ምድህሳስ ዝብሉ ዛዕባታት ከምዝርከቦ ካብቲ ቦርድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.