Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ  ሕጋዊ ሰውነቱ  ህወሓት ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ  ሕጋዊ ሰውነቱ  ህወሓት ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝሃቦም መግለፅታትን ብዕሊ ዝፍለጡ ጥረ ሓቅታትን ብምርኣይ እቲ ፓርቲ ሓይሊ መሰረት ኣቭ ዝገበረ  ናይ ዓመፅ  ተግባር ምስታፉ ተረጋጊፁ።

ብተወሳኺ እቲ ፓርቲ ምላሽ ናይ ምሃብ ዕድል ንክህልዎ ብምሕሳብ ኣብ መንጎ እቲ ፓርቲን ቦርድን መራኸብቲ ብምዃን ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይቲ ፓርቲ ተወከልቲ ቢሮ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩን ንምዝርራብ ዝተገበረ እንትኸውን እቶም ተወካሊ ነቲ ፓርቲ ምውካል ከምዘይኽእሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ

ሀ. ብኣዋጅ ቁፅሪ 1162/2011 ኣንቀጽ 98/1//4/ መሠረት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ናይቲ ፓርቲ ሕጋዊ ሰውነት ሰሪዙ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዓንቀፅ 99 ሓለፍቲ እቲ ፓርቲ ብስም እቲ ፓርቲ ምንቅስቓስ ከምዘይኽእሉ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ለ. ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራልኣብ ልዕሊ እቲ ፓርቲን ኣመራርሓ እቲ ፓርቲን ኣብ ዝግበር ምርመራ ዝርከቡ ብስም ህወሓት ዝተመዝገቡ ተንቀሳቐስቲን ዘይንቀሳቐሱን ንብረታት ብዝምልከት ዝረኸቦ ዝርዝር መረዳእታ ንክልእኽ እቲ ቦርድ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ሐ. ንብረት እቲ ፓርቲ ብመሰረት ኣዋጅ 1162/2011 አንቀጽ 99/2/ ተፃርዩ ዕዳ እንተሃሊዩዎ ንዕድኡ መሸፈኒ ንክውዕል፣ ዕድኡ ሸፊኑ ዝቐሪ ንብረት እንተሃሊዩ ዝተረፈ ንብረትን ገንዘብን ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዐዓንቀፅ 99/3/ ንስነዜጋን ትምህርቲ መረፃን ንክውዕል ኢቲ ቦርድ ወሲኑ።

እቲ ቦርድ ኣብ ብሄራዊ  ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እንትንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰለስተ ፓርቲታት ብመሰረት ጨንፈር ቤት ፅሕፈት እቲ ቦርድ ዝቐረቡ መረዳእታታትን ካልኦት ሓበሬታታትን ተወሳኺ ውሳነ ቅድሚ ምሃቡ ብዛዕባ እቲ ምንቅስቓስ መብርሂ ንክወሃቦ ትእዛዝ ሂቡ።
ትእዛዝ ዝተውሃቦም ፓርቲታት ድማ፥

ሀ. “ዓሲምባ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ /ዓዴፓ/”- ኣብ ከይዲ ምዝገባ ናይ ኢትዮጵያ ብሔራዊ ምርጫ ቦርድ እናሃለወ ኣብ ትግራይ ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ምርጫ ብዛዕባ ምስታፉ

ለ. “ብሔራዊ ባይቶ አባይ ትግራይ /ባይቶና/” – ኣብ ከይዲ ምዝገባ ናይ ኢትዮጵያ ብሔራዊ ምርጫ ቦርድ እናሃለወ ኣብ ትግራይ ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ምርጫ ብዛዕባ ምስታፉ ከምኡ እውን ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣብ ተግባር ዓመፅ ብምስታፎም ንቦርድ ሓበሬታ ምብፅሑ

ሐ. “ሳልሳይ ወያነ ትግራይ /ሣወት/”- ኣብ ከይዲ ምዝገባ ናይ ኢትዮጵያ ብሔራዊ ምርጫ ቦርድ እናሃለወ ኣብ ትግራይ ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ምርጫ ብዛዕባ ምስታፉ ከምኡ እውን ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣብ ተግባር ዓመፅ ብምስታፎም ንቦርድ ሓበሬታ ምብፅሑ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.