Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምርጫ ብዝምልከት ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ብዝርዝር ንምርኣይ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ተመሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።

እቲ ባይቶ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብ ዘሳለጦ ኣኼብኡ፥ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ዝሳለጥ ሓፈሻዊ ምርጫ ብዝምልከት ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ርእዩ።

ኣካቢት እቲ ቦርድ ወይዘሪት ብርትኳን ሚደቅሳ ኣብ ዘቕረብኡ መብራህርሂ ውሳነ ሓሳብ፥ ብመሰረት ሰሌዳ ጊዜ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምዝገባ ኣድመፅቲ ካብ 14 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ዝጅምር እኳ እንተኾነ ኣብዛ ሃገር ብምኽኒያት ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብምግዳቡ እቲ ምርጫ ብዝተቐመጠሉ ሰሌዳ ግዜ ክካየድ ከምዘይኽእል ገሊፀን።

ኣባላት እቲ ባይቶ ብግደኦም፥ እቲ ሕማም ብብርኪ ዓለም ዘጋጠመ ብምዃኑ መንግስቲ ድሕንነት ህዝቢ ቀዳምነት ብምሃብ ይሰርሕ ብምህላዉ እቲ ቦርድ በቲ ዝተቐመጠ እዋን ምክያድ ከምዘይከኣል ምግላፁ ግቡእ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እምበር እቲ ምርጫ ንምንዋሕ ዝቐረበ ምክረ ሓሳብ ብምኽኒያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኢዩ ምባል ይከኣል ዲዩ? ዝብል ሕቶ ከምዝቐረበ ተሓቢሩ።

ኣብዝሓ ኣባላት እቲ ባይቶ መንግስቲ ብምኽኒያት እቲ ለበዳ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ካብ ምእዋጁ ንላዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕፃዉን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምእጋዱን ብምሕባር እቲ ቦርድ ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ብምቕባል ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ምምርሑ ኣግባብነት ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፥ እቲ ቦርድ ተፀዋዕነቱ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ውሳነ ሓሳብ ናብ ድምፂ ኣቕሪበምዎ።

ብመሰረት እዚ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምርጫ ብዝምልከት ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ብዝርዝር ንምርኣይ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ምምሕዳርን ብ3 ተቓውሞ፣ 7 ድምፀ ተኣቅቦን ኣብዝሓ ድጋፍን ተመሪሑ።

ብምቕፃል ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፈንድ ልምዓት ስዑድ ዓረብን ንኻልኣይ መፈፀሚ ፕሮግራም ሃገር ለኸ ቀረብ መስተ ማይ፣ ሳኒቴሽንን ሃይጂንን ዝተገበረ ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ ብምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.