Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ዝውዕል ሓገዝ ውልቀ ሰብ ሃፍቲን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ – ንኡስ ግብረ ሓይሊ ኢኮኖሚ ትግራይ 

ዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ምግፋሕ ቫይረስ ኮረና ተታሓሒዙ ሓገዝ ውልቀ ሰብ ሃፍቲን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ተጠናኺሩ ይቕፅል ከም ዘሎ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ኢኮኖሚ ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ነዚ ዝሓበረ፥ ሎሚ መዓልቲ ሰብ ውልቀ ሃፍትን ገበርቲ ሰናይ ትካለትን ኣብ ከተማ መቐለ ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮረና ዝውዕል ገንዘብን ንዋያትን ርኽክብ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኢዩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርክክብ ተረኺበን መደረ ዘስምዓ ኣባል ንኡስ ግብረ ሓይሊ ኢኮኖሚ ወይዘሮ መዓዛ ታደሰ፥ ኣብ ትግራይ ምስ ምግፋሕ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተታሓሒዙ ብርክት ዝበሉ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩን ገበርቲ ሰናይ ትካላትንን ዘይሕለል ድጋፎም እናበርከቱ ከምዝኾኑ ገሊፀን።

ናይዚ መቐፀልታ ድማ ሎሚ 19 ግንቦት 2012 ዓ.ም፦

1. ልደታ ትካል ማይክሮ ፋይናንስ ኣክስዮን ማሕበር ብር 150 ሽሕ

2. DKT ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ብር 100 ሽሕ

3. ኢንስትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ልዕሊ ብር 70 ሽሕ ዝግመቱ ዘመናዊ መሕፀቢ ኢድ ነቲ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ኣረኪቦም እዮም።

ኣባል እቲ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ኣይተ ገብረዝጊሄር ኣረጋዊ ብግደኦም፥ ውልቀ ሰብ ሃፍትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ካብ እዋን ናብ እዋን ብርክት ዝበሉ ሓገዛት እናገበሩ እኳ እንተኾኑ ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ዙርያ ተጠቃምነት ክፍተት ከይፍጠር ዝግበሩ ሓገዛት ኣብ ሓደ ማእኸል ዝገበሩ ክኾኑ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ዝግበሩ ሓገዛት ኣብ ሓደ ማእኸል ክኾኑ ዝተመረፀሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ካብ ኣድልዎ ዝነፅሀ፣ ነፃን ፍትሓውን ብዝኾነ መንገዲ ንተጠቀምቲ ንምብፃሕ ንክጥዕም ዝዓለመ ከም ዝኾነ ኣይተ ገብረዝጊሄር ኣብሪሆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.