Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝኸውን ፍቱን መድሓኒት ዘይክህሉ ይኽእል ኢዩ – ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝኸውን ፍቱን መድሓኒት ዘይክህሉ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መርብ ሓበሬታ ቪዲዮ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ቫይረስ ዝከላኸል ፍቱን መድሓኒት ኣይተረኸበን ንቐፃሊ እውን ዘይክህሉ ከምዝኽእል ተዛሪቦም።

እቲ ትካል እዚ ክገልፅ ዝኸኣለ ቫይረስ ኮሮና ንነዊሕ እዋን ክፀንሕ ከምዝኽእል ድሕሪ ምትሕስሳቡ ኢዩ።

ይኹን እምበር ኣብ መላእ ዓለም እናተኻየደ ዝርከብ ፈተነ ፀረ-ክትባት ቫይረስ ኮሮና እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ክሕግዝ ከምዝኽእል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ፥ ኣብ ፈተነ ዝርከብ ፀረ-ክትባት ቫይረስ ኮሮና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘዕቢ ኢዩ ምባሉ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.