Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ዓለም ለኸ ስግኣት ጥዕና ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቻይና ዝተወለዐ ቫይረስ ኮሮና ዓለም ለኻዊ ስግኣት ጥዕና ኢዩ ብምባል ኣዊጁ።

እቲ ውድብ ነቲ ቫይረስ ዓለም ለኻዊ ስግኣት ጥዕና ብምባል ዝኣወጆ፥ ካብ ቻይና ወፃእ ናብ ካልኦት ሃገራት ዓለም እናተዛመተ ምምፅኡ ስዒቡ ኢዩ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ከምዝገለፁዎ፥ ቫይረስ ኮሮና ስግኣት ጥዕና ዓለም ዝተብሃለሉ ዋና ምኽንያት ኣብ አ,ቻይና ብዝኾኖ ዘሎ እንተይኮነስ ዝርገሐ እቲ ሕማም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም እውን እናወሰኸ ብምምፅኡ ኢዩ።

ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትሑት ስርዓት ጥዕና ኣብ ዘለወን ሃገራት ክዛመት እንትኽኢሉ፥ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ክበፅሕ ከምዝኸእል ገሊፆም።

ቻይና ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር እናገበረቶ ዘላ ኩለመዳይ ፃዕሪ ዝነኣዱ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ምስ ቻይና ርክብ ንግዲን ጉዕዞን ዘለወን ሃገራት ዓለም ርክበን ዘቋርፃሉ ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ከምዘየለ ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር ምስ ቻይና ዝዳቦባ ብዙሓት ሃገራት ዶባተን ከምዝዓፀዋን በረራ ኣውሮፕላን ከምዘቋረፃን ይግለፅ ኣሎ።

ከም ጉግል፣ ስታርባክስን ቴስላን ዝበሉ ዓለም ለኸ ኩባኒያታት እውን ኣብ ቻይና ዘለዎም ቢሮ እናዓፀዉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ብግድኡ ዜጋታቱ ናብ ቻይና ካብ ምኻድ ንኽቑጠቡ መጠንቀቕታ ጉዕዞ ምውፅኡ ተሓቢሩ።

ኣብ ቻይና ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፈ ቁፅሪ ሰባት 213 እንትበፅሕ፥ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ናብ 10 ሺሕ ዝፅግዑ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ቫይረስ ኮሮና ናብ መላእ ዓለም እናተዛመተ እንትኸውን፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ 18 ሃገራት ከምዝተርኣየን 98 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ለበዳ ሕማም ካብ 21 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ዝተወለዐ ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ምዃኑ እቲ ውድብ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.