Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸበለን ቁፅሪ ሃገራት ኣፍሪካ 6 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸበለን ሃገራት ኣፍሪካ ቁፅረን ካብ ሰለስተ ናብ ሽዱሽተ ክብ ከምዝበለ ተገሊፁ።

ኣቐዲሙ እቲ ቫይረስ ዝተረኸበለን ናይጄሪያ፣ ግብፂን ኣልጄሪያን እንትኾና፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ሞሮኮ፣ ቱኒዚያን ሴኔጋልን ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሕሙማት ከምዘለውዎን ምርግጋፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ሞሮኮ ካብ ጣሊያን ዝመፅአ ሓደ ዜጋ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ መንግስቲ እታ ሃገር ምግላፁ ይዝከር።

እቲ ዜጋ ኣብ ከተማ ካዛብላንካ ሕክምንኡ ይከታተል ከምዘሎ ድማ ተገሊፁ።

ኣብ ቱኒዚያ እውን፥ ወዲ 40 ዓመት ዜጋ እታ ሃገር ካብ ጣሊያን እቲ ቫይረስ ሒዙ ናብ ሃገሩ ከምዝኣተወ ሚኒስቴር ጥዕና ቱኒዚያ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ሴኒጋል ዝነብር ሓደ ተወላዲ ፈረንሳይ፥ ኣብ ሃገሩ በፂሑ ናብ ሴኔጋል ምስተመልሰ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ምርግጋፁ ተገሊፁ።

ብርቱዕ ሕማም ሳንቡእ ዘስዕብ ፈለማ ኣብ ቻይና ዝተርኣየ ቫይረስ ኮሮና፥ ናብ 40 ሃገራት ተዘርጊሑ ምህላው ውድብ ጥዕና ዓለም ምግላፁ ይዝከር።

ዛጊድ ብብርኪ ዓለም ልዕሊ 80 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፥ ልዕሊ 2 ሺሕን 800 ሞይቶም እዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.