Fana: At a Speed of Life!

ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ደው ንምባል ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ድው ንምባል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝጠመተ ምስ ሰብ ግደ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዘተ ዝርግሐ ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ምምፅኡ ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ሽኮር፣ ፀገም ልቢን ቡንቧንቧን፣ ድፊኢት፣ ካንሰር፣ ኩላሊትን ፀገም ጥዕና ኣእምሮን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣተሓሳሰብቲ ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብ ከባብታት ከተማ እናተረስዐ ዝመፀ ጉዕዞ እግሪን ምንቅስቓስ ኣካላዊ ብቕዓት ዘይምግባር፤ ኣልኮል፣ ሲጋራ ምትካኽ፣ ሽኮርን ምግብታት ቅብኣት ብበዝሒ ምምጋብ ዝርግሐ ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ንክስፋፍሑ ቀንዲ ሰንክታት ምዃኖም ተመላኺቱ።

ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ንምሕካምን ንምክልኻልን ሓዲሽ ስትራቴጂ ምድላው ብምሕባር፤ ዝርግሐ እቲ ሕማም 50 ሚኢታዊት ምንካይ ከምዝካኣል ምዝራቦም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.