Fana: At a Speed of Life!

ተመራመርቲ ስነ ፈለክ ቻይና ካብ ስርዓተ ፀሓይ ወፃኢ ዝኾነት ኤክሶፕላኔት ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተመራመርቲ ስነ ፈለክ ቻይና ካብ ስርዓተ ፀሓይ ወፃኢ ዝኾነት ኤክሶፕላኔት ከምዝረኸቡ ተገሊፁ።

እታ ፕላኔት “ወንግሹ” ን “ዢሂ”ን ዝብል ሽም ዝተውሃባ እንትኸውን፥ “ወንግሹ”ን “ዢሂ”ን ማለት ድማ ፀሓይ ኣምላኽ ወይ ወርሒ ከዓ ኣምላኽ ማለት ኢዩ።

ክልቲኦም ኣሽማት ድማ ርክብ ከዋኽብትን ፕላኔታትን ጥራሕ እንተይኮነስ ከይዲ ዳህሰሳ ዩኒቨርስ ዝውክሉ ኢዮም ተባሂሉ።

መጠን እታ ሓዳሽ ፕላኔት ካብ ክልተ ዕፅፊ ፀሓይ ዝበልፅ እንትኸውን፥ ካብ ጁፒተር እውን ብ2 ነጥቢ 7 ዕፅፊ ከምዝዛይድ ተሓቢሩ።

ተመራመርቲ ስነ ፈለክ ቻይና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2010 ንደሓር ካብ ውሽጢ 10 ብሉፃት ዕብየታት ስነ ፈለክ ሓንቲ ኮይና ዝተመረፀት ዓባይ HD173416b ኤክስፕላኔት ምርካቦም ይዝከር።

ፍልፍል፡- ሲጂቲኤን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.