Fana: At a Speed of Life!

ተመራመርቲ ቻይና ንቫይረስ ኮሮና ብዕዉት መገዲ ክከላኸሉ ዝኽእሉ ክልተ ሓደሽቲ መድሓኒታት ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተመራመርቲ ቻይና ንቫይረስ ኮሮና ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ክከላኸሉ ዝኽእሉ ክልተ ሓደሽቲ መድሓኒታት ምርካቦም ተገሊፁ

ኣቢዶልን ዳርናቪርን ዝተብሃሉ መድሓኒታት፥ ኣብ ውሽጢ በተ-ፈተነ ቪትሮ ሴል ነቲ ቫይረስ ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ክከላኸሉ ከምዝኽእሉ ምርግጋፆም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዜዢያንግ ፕሮፌሰር ሊ ገሊፆም።

ሰብ ሞያታት ሕክምና፥ ካብ ምብራቓዊት ቻይና ግዝኣት ዜዢያንግ ናብ ማእኸላይ ቻይና ግዝኣት ሁቤር ክመፅኡ ብምግባር በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሓደሽቲ ሕሙማት ናይ ሓደጋ ግዘ ሕክምና ብመሃብ ከመሓይሹዎ ኢዮም ዝብል ተስፋ ተገይሩሎም ኣሎ።

ክልቲኦም መድሓኒታት፥ ኣብ ብሄራዊ ኮሚሽን መርሃ ግብሪ ሕክምና ጥዕና እታ ሃገር ንኽፅምበሩ እውን ሓሳብ ኣቅሪቦም።

ይኹን ደኣ እምበር ክልቲኦም መድሓኒታት ብዘይ መምርሒ ሕክምና ክውሰዱ ከምዘይግባእ ካብቶም ሰብ ሞያታት ጥዕና ሓደ ዝኾኑ ቼን ዚንግ ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፡- ሲ.ጂ.ቲ.ኤን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.