Fana: At a Speed of Life!

ተመራመርቲ ቻይና ኣብ ውሽጢ 15 ደቒቕ ንቫይረስ ኮረና ክፈሊ ዝኽእል መሳርሒ ዕላዊ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተመራመርቲ ቻይና ኣብ ውሽጢ 15 ደቒቕ ንቫይረስ ኮረና ክፈሊ ዝኽእል መሳርሒ ዕላዊ ገይሮም።

ብሰብ ሞያታት ሕክምና መተንፈሲ ኣካላት ኣቢሉ ፈተነ ዝተገበረሉ መሳርሒ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ መሳርሒ፥ ነቲ ቫይረስ ካብ ምፍላይ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዝርከቡ ኩነታት በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ንምፍላይ ከምዝሕግዝ እውን ተሓቢሩ።

እቶም ተመራመርቲ፥ ብቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተለኸፉ 397 ሰባት ዝተኣከቡ ናሙናታት ብምጥቃም ኢዮም ፈተነ ኣካይዶም።

ብመሰረት እዚ እቲ ሓዱሽ መሳርሒ እቲ ቫይረስ ናይ ምርግጋፅ ዓቕሙ 88 ነጥቢ 66 ሚኢታዊ ኮይኑ ተረኺቡ።

አቲ ቫይረስ ናይ ምፍላይ ዓቕሙ ድማ 90 ነጥቢ 63 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ኢዮም እቶም ተመራመርቲ ዝገለፁ።

ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብቕልጡፍ ንምፍላይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እቲ ሓዱሽ መሳርሒ ሓጋዚ ኮይኑ ከገልግል ከምዝሕእል ተገሊፁ።

ፍልፍ፦ ሲ ጂ ቲ ኤን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.