Fana: At a Speed of Life!

ተመራፂ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ሎሚ መዓልቲ ቃለ-መሓላ ክፍፅሙ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ዝተወቱ ጆ ባይደን ሎሚ መዓልቲ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብምዃን ንምግልጋል ቃለ-መሓላ ክፍፅሙ ኢዮም።

ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ካፒቶል ሂል ዝፈጠሩዎ ናዕቢ ስዒቡ፥ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ ተመሳሳሊ ዕግርግር ከይፈጥሩ ብዝብል ብርቱዕ ሓለዋ እናተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ዝሳተፉ ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ግን ውሑዳት ሰባት ጥራሕ ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

ካብቶም ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዘይሳተፉ ሰባት ሓደ ተሳናባቲ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኢዮም።

ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ መዓልቲ ንግሆ ናብ ፍሎሪዳ ከምዝኸዱ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ድሕሪ 1869 ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ፕረዚደንት ዝነበረ ኣብ ቃለ መሓላ ተካኢኡ ዘይተረኸበ እንትተርፍ ዶናልድ ትራምፕ ናይ መጀመርታ ኢዮም።

ኣብ 1869 ነበር ፕሬዚዳንት አሜሪካ ኣንድሪው ጆንሶን ኣብ ቃለ መሓላ ተካኢኦም ከምዘይተረኸቡ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.