Fana: At a Speed of Life!

ተስፋ ዝቖረፀ ኦነግ ሽኔ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ፈፂሙ-ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ተስፋ ዝቖረፀ ኦነግ ሽኔ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ፈፂሙ እንትብል ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣራርሳ መርዳሳ፥ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ባቦ ጋምቤል ቀበሌ ቦኔ ትማሊ ምሸት ኣስታት ሰዓት 3 ነበርቲ ብግዲ ብምውፃእ ኣብ ሓደ ቦታ ብምሓዝ ብኣፅዋር ኲናት ጥቓት ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

እዚ ድማ እቲ ጉጅለ ዕሉል ኣሸባሪ ከምዝኾነ ኣመስኪሩ ኢዩ ኢሎም።

በቲ መጥቃዕቲ ብግዲ ካብ ዘውፅእዎም 50 ሰባት እቶም 28 እንትሞቱ 12 ድማ ቆሲሎም ኢዮም ኢሎም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ከምዝተፈፀመ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ኩነታት ድሕሪ ምፍፃሙ ናብቲ ከባቢ ዝበፅሐ ሓይሊ ፀፅታ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ሰለስተ ኣባላት ኦነግ ሽኔ ምስ ዕጥቆም ከምዝተደምሰሱን ዝተረፉ ተረፍ መረፍ ንምሓዝ ይስራሕ ከምዘሎን ሓቢሮም።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.