Fana: At a Speed of Life!

ተሸከርከር መመላስቲ ህዝቢ ናብ ክልል ኣማሓራ ንኸየኣተዋ መዓቐብ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተሸከርከር መመላስቲ ህዝቢ ናብ ክልል ኣማሓራ ንኸየኣተዋ ማዕቐብ ተነቢሩ።

ካብ ዝኾነ ኣንፈት ኢትዮጵያ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝጓዓዛ ኩለን ተሸከርከርቲ መመላለስቲ ህዝቢ ካብ ትማሊ ለይቲ ሰዓት ሹዱሽተ 20 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚረን ናብቲ ክልል ከየኣትዋ ምኽልካሉ ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ክልል ኣማሓራ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ናብ ስድረኦም እናመፅኡ ዝርከቡ ተምሃሮ ተወለድቲ እቲ ክልል ብፍሉይ ኩነታት ከምዝኣትዉ እውን እቲ ኮማንድ ፖስት ምግላፁ ኤመሓኣ ፀብፂቡ።

እቲ ውሳነ ተግባራዊ ንኽኸውን ድማ ንመኽበርቲ ፀፅታ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.