Fana: At a Speed of Life!

ተተኮስቲ ጠያይቲ እናተዓዳደጉ ዝተረኸቡ ሰለስተ ጠያይቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ ኮምቦልቻ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብሕቡእ 2 ሺሕ  ተተኮስቲ ክላሽንኮቭ እናተዓዳደጉ ዝተረኸቡ ሰለስተ ጠያይቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ከተማ ምምሕዳር ሓላፊ ክፍሊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ምክልኻል ታክቲክ ገበን ኮማንደር ዓሊ ሰይድ ንግዜኢ ከምዝበሉዎ፥ ተጠርጠርቲ ካብ ቀበሌ 3 እቲ ከተማ ኣብ ውሽጢ ሓደ መንበሪ ገዛ ብሕቡእ እንትተዓዳደጉ ኢድ ብኢድ ተረኺቦም ኢዮም።

ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፅሐ ሓበሬታ ሸያጢ፣ ደላላን ዓዳጊን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ተወሳኺ ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣድላዪ ምፅራይ ብምግባር ግቡእ ሕጋዊ መቕፃዕቲ ክረኽቡ ከምዝግበር እውን ኣብሪሆም።

ሕብረተሰብ ንሓድነት ሃገርን ሰላምን ኢሉ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ዘይሕጋዊ ተግባራት ብምቅላዕ እናገበሮ ዝርከብ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፀዊዖም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.