Fana: At a Speed of Life!

ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እስልምናን ኣብ ጥምቀተ ባሕር ጃን ሜዳ ወፍሪ ፀሬት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እስልምናን ብሓባር ብምዃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥምቀተ ባሕር ጃን ሜዳ ወፍሪ ፀሬት ኣካይዶም።

ኣብቲ “በዓል ጥምቀት ተፈታዊን ማራኺን ንግበሮ፣ ቦታታት መሕደሪ ታቦት ነፀሪ” ብዝብሉ መሪሕ ቓላት ዝተኸየደ ወፍሪ ፅሬት፥ ልዕሊ 1 ሺሕ ዝኾኑ መናእሰይ ተረኪቦም።

በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር ዝተኻየደ እቲ ወፍሪ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ተኸተልቲ እምነት እስልምና፣ ደገፍቲ ኣባላት ማሕበር ፍቅር ያሸንፋል፣ ነበርቲ እቲ ከባቢን ሰራሕተኛታት ፅሬትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

እቶም ተሳተፍቲ፥ ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እስልምናን ሓድነቶምን ሓቢርካ ናይ ምንባር ባህሎምን ንምሕያል ዝሕግዝ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ምጋላፆም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ከተማ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.