Fana: At a Speed of Life!

ተወሰኽቲ 524 ሰባት ቫይረስኮሮና እንትርከቦም 79 ሰባት ድማ ሒሹዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ተወሰኽቲ 524 ሰባት ቫይረስኮሮና እንትርከቦም 79 ሰባት ድማ ሒሹዎም።

ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 381 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 524 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 128 ሺሕን 316 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 79 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 113 ሺሕን 374 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ትሽዓተ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስዒቡ፤ በዝሒ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 1 ሺሕን 994 በፂሑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.