Fana: At a Speed of Life!

ተዓዋቲት ጋንታ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ብር 1 ሚሊየን ሽልማት ክብርከተላ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ተዓዋቲት ጋንታ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ተሸላሚት ብር 1 ሚሊየን ከምትኸውን ኩባኒያ ኣክሲዮንቤት ኪንግ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባኒያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሃቦ መግለፂ፥ ኩለን ተሳተፍቲ ክለባት ከከም ደረጀአን ሽልማት ከምዝብርከተለንን ካልአይቲ ንዝወፅአት ጋንታ ብር 700 ሺሕ ከምኡ እውን 3ይቲ ንዝወፅአት 500 ሺሕ ሽልማት ከምዝብርከተለንን ገሊፁ።

መርሃ ግብሪ ግጥም ፕሪሜርሊግ እንተይተዛዘመ ተዓዋቲት እንተተፈሊጣ፥ ኣቐዲሙ ንተዓዋቲረት ጋንታ ፅዋዕ ከምዝወሃብ ኣካቢ እቲ ኩባኒያ መቶ ኣለቃ ፈቃደ ማሞ ተዛሪቦም።

ሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 18 ግንቦት ዝዛዘም እንትኸውን፥ 21 ጉንበት ሓፈሻዊ ጉባኤ ተፀዊዑ ሽልማት ብሉፃት ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.