Fana: At a Speed of Life!

ተዓዋትነት ኣትሌታት ወነ ተዓዋትነት ኢትዮጵያውነት ኢዩ- ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ንዝሳተፉ ጉጅለ ልኡኽ ኣፋኒየን።

ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ዘለዋ ድሙቕ ታሪክ ንክቕፅል ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ዝሳተፉ ኣትሌታት ድሙቕ ታሪክ ንክፅሕፉ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓደራ ኢለን።

ኣብ ሮም ኦሎምፒክ ብማራቶን ዝተጀመረ ዓወት ጅግና ኣበበ ቢቂላ ብጥራሕ እግሩ ጎይዩ ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሑ ሓሊፉ ኢዩ ኢለን።

ኣትሌት ኮሮኔል ደራርቱ ቱሉ ኣብ ባርሴሎና ኦሎምፒክ ዓወት ብምምዝጋብ ናይ መጀመሪያ ፀላም ጓል ኣነስተይቲ ብምዃን ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታት ኣርኣያ ኮይና ኢያ።

ናይዞም ኣትሌታት ተዓዋትነት ወነ ተዓዋትነት ኢትዮጵያውነት ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ኣትሌታት እቲ ዓወት ኣብ ውሽጦም ንክሕዙ ሓቲተን።

“ ናታትኩም ተዓዋትነት ተዓዋትነት ኢትዮጵያ ኢዩ” ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ ኢትዮጵያ ንክትዕወት ተደጋጊፎምን ተሓባቢሮምን ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪበን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.