Fana: At a Speed of Life!

ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋልን ጋንታ ሊቨርፑልን ሰይዶ ማኔ ተዓዋቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ኣፍሪካ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋልን ጋንታ ሊቨርፑልን ሰይዶ ማኔ ተዓዋቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ኣፍሪካ ኮይኑ ብፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ተሓርዩ።

ሰይዶ ማኔ ኮኾብ ተፃዋታይ ኣፍካ ኮይኑ ዝተሓርየ፥ ንወዲ ጋንትኡ ግብፃዊ መሓመድ ሳላሕን ንተፃዋቲ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ኣልጀርያዊ ሪያድ መሃሬዝን ብምብላፅ ኢዩ።

ወዲ 27 ዓመት ሰይዶ ማኔ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018/2019 ኣብ ኩሎም ግጥማት 30 ሸቶታት ብምቑፃር ጋንትኡ ሊቨርፑል ተዓዋቲት ዋንጫ ቻምፒዮንስ ልግ ኣውሮፓ ክትከውን ገይሩዋ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ዝተኻየደ ግጥም ፅዋዕ ዋንጫ ኣፍሪካ ድማ፥ ሃገሩ ሴነጋል ናይ ፍፃመ ተናሓናሒት ንኽትከውን ልዑል ተራ ከምዝተፃወተ ይዝከር።

ማኔ ሽልማቱ ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን ከምዝገለፆ፥ ተዓዋቲ እቲ ሽልማት ብምዃኑ ሓጎስን ሓበንን ከምዝተሰምዖ፣ ኩዕሶ እግሪ ስርሑ ከምዝኾነን ከምዝፈትዎን ተዛሪቡ።

እቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ኣብ ግብፂ ከተማ ሁራግሃዳ ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ ንዘሓለፉ ክልተ ዓመታት ተዓወትቲ እቲ ሽልማት ዝነበሩ መሓመድ ሳላሕ ይኹን ሪያድ ማሃሬዝ ኣብቲ ስነ ስርዓተት ኣይተረኸቡን

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.